[:en]ድኽዳኸን ዕብራንን ንምክልኻል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡[:]

[:en]ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ነዙይ ዘፍለጡ ብብርኪ ሃገር ካብ 24 ነሓሰ 2009 ዓ/ም ጀሚሩ ንኽልተ ማዕልታት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ መዳርግቲ ኣካላት ቃልኪዳን ሰቖጣ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲን ትልሚ ቀፃሊ 3 ዓመት ስምምዕነት ሰቖጣ ምስ ፀደቐ እዩ፡፡

ኣፍቲ ዋዕላ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓዊሱ ሓለፍትን ተወከልትን ኣብ ስምምዕነት ሰቖጣ ዝነጥፋ ቢሮታት፡-ጥዕና፣ሕርሻ፣ትምህርቲ፣ ሃፍቲ ማይ፣ ሰራሕተኛን-ማሕበራዊጉዳይን፣ ጉዳይ ደቂኣነስትዮ ፣ ማረትን ካልኦት ኣብ ምክልኻል ድኽዳኸን ዕብራንን ዝነጥፉ መዳርግቲ ኣካላትን ገበርቲሰናይ ትካላት ውሽጢዓድን ወፃእን ተወከልቲ ፌደራልን ተረኺቦም፡፡
ትልሚ 3 ዓመት ውዕሊ ቃልኪዳን ሰቖጣ ብተወከልቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ቀሪቡ ዘድልዮ በጀት ብድምር 211,548,247 ዶላር ኮይኑ ካበይ ከምዝርከብ ብዝርዝር ምስቀረበ ተሳተፍቲ በቢዝሰርሕሉ ከባቢ ተወዲቦም ክመያየጡ ተገይሩ፡፡
ከም መብርሂ ኣተሓባባሪ ስምምዕነት ሶቖጣ ኣብ ትግራይ ኣይተ ፀጋ ዝኣብ ሃይሉ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮግራም ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ፈተነ ምዕራፍ ፣ ሓደሽቲ ምህዞታት ዝፍተንሉ፣ብሉፅ ተሞክሮ ዝሰፍሓሉ፣ብሃገር ብርኪ ዝዓብየሉ ብርክታት ዝሓዘ ኮይኑ ሽቶኡ ትሕቲ ክልተ ዓመት ዝኾኑ ህፃናት ኣብ 2022 ካብ ድኽዳኸ ነፃ ምግባር እዩ፡፡   እቲ መድረኽ ብስራሕ መካየዲ ፌደራል ስምምዕነት ሰቖጣ ዶ/ር ሲሳይ ሲናሞ ዝተኸፍተ ኮይኑ ስምምዕነት ሰቖጣ ናይ 15 ዓመት ትልሚ ዝሓዘን ስርዓት ኣመጋግባ ሕብረተሰብ ብምቕያር ድኽዳኸን ዕብራንን ከም ሃገር ኣብ 2022 ዓ/ም ናብ ባዶ ንኽወርድ ዓሊሙ ዝሰርሕ ከምዘሎን ሐዚ ንመጀመርያ እዋን ኣብ መፋስስ ሩባ ተከዘ ዝርከባ 6 ወረዳታት ትግራይን 26 ወረዳታት ክልል ኣምሓራን ከምዝተጀመረን ብቐፃሊ ድማ ብብርኪ ሃገር ብምስፋሕ ብቲ ፕሮግራምን ክልላዊ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ህዝብን ተሳትፎ ንምዕዋት ዓሊሙ ከምዝሰርሕ ገሊፆም፡፡

ድሕሪ ምይይጥ ር/ም/ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፡- እዚ ፕሮግራም ቅድም ክብል መንግስቲ ኣተኣታትይዎ ናይዝፀንሐ ምክልኻል ዕብራንን ድኽዳኸን መቐፀልታ ኮይኑ ሐዚ ብዝተጠናኸረ መንገዲ ንምስራሕ ናይባዕሉ ቤት ዕዮን ሓይሊሰብን ተመዲብሉ ብርእሰ ምምሕዳራት እናተመርሐ ዝፍፀም መደብ ብምዃኑ ዝያዳ ትኹረት ክንህበሉ ዝገብርን ብዋናነት ድማ ምክልኻል ድኽዳኸን ዕብራንን ዝሕታለ ኣእምሮን ብዕዉት መንገዲ ምፍፃሙ ፅባሕ ነዛ ሃገር ዝርከብ ወለዶ ብዝሐሸ መንገዲ ናይምህናፅ መስርሕ ብምዃኑ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኩሉ መሓውሩን ህዝብን ብምስታፍ ነቲ መደብ ንምዕዋት ከምዝሰርሕ ብምግላፅ፡፡ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ነዙይ ተረዲአን ነዚ መደብ ንምዕዋት በብፅሒተን ኣጠናኺረን ክሰርሓ መምርሒ ሂቦም፡፡

ቀፂሉ ተሞክሮ ወፃኢ ዓዲ ኣብ ምክልኻል ድኽዳኸን ዕብራንን ዘርኢ ደኩመንታሪ ፊልሚን ሜላ ኣፀናንዓን ኣንፈት ኣተገባብርኡን ዘርኢ ፅንዓት ቀሪቡ ፡፡ድሕሪ ምምይያጥን ምስ ህሉው ኩነታት ከባቢና ኣተሓሒዞም ድኽዳኸን ዕብራንን ዝሕታለ ኣእምሮን ጠንቂ ዕቤት እዛ ሃገር ብምዃኖም ኩሉ ምስ መደባቱ ኣተኣሳሲሩ ከምዝሰርሕ ቃል ብምእታው ዋዕላኦም ብዓወት ዛዚሞም፡፡[:]

[:en]ድኽዳኸን ዕብራንን ንምክልኻል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡[:]

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to top