ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ 72 ሚልየን ዝወደኣ 7 ኣምቡላንስ ንወረዳ ሂቡ፦

[:en]ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ 7 ኣምቡላንስ ንወረዳ፦  ቃፍታ ሑመራ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዝኸበሩ ር/ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ንዓዲ ሕርዲ ብዝተኣተወ ቃል መሰረት ዝተውሃበትን ማእኸላ ኣብኡ ገይራ ክትሰርሕ፣ ውልቃይቲ፣ኣ/ፅምብላ፣ወ/ለኸ፣ ራያ ዓዘቦ፣ ሕ/ዋጅራትን ንራያ ኣላማጣን ብሓፈሻ ን7ወረዳታት ብዕለት 24/02/2010ዓ/ም ብኢድ ዝኸበሩ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ብዕሊ ርኽክብ ተኻይዱ።

DSC_0876

ኣብዚ ዓመት ካብ ፌደራል ዝመፅኣና ብርክት ዝበላ ኣምቡላንስ እኳ ተሃለዋ እዘን መፂአን ዘለዋ ብመጀመርታ ኣብተን ግድድ ዝበላ ተራእዩ ዝተውሃባን ንኻልኦትውን ብቐፃልነት ከምዝውሃባ ኣብቲ ርኽክብ ተሓቢሩ። ኣብቲ ርኽክብ እተን ኣምቡላንስ ብዝግባእ ኣብ ምውዓለን ክውዕላን ብዋናነት ኣብ ክንክን ኣዴታት/ወሊድ ዝግበር ስራሕቲ ቀዳምነት ተዋሂቡ ክሰርሓን ዝለዓለ ክንክን ክግበረለን ኣብቲ ዕለት ርኽክብ ንዝተረከቡወን ሓለፍቲ ወረዳ ቤት ፅሕፈትን ሽራትን ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ ብኣፅንኦት ሓቢሮም።

       ኣዶ ሂወት እናሃበት ሂወታ ክትግብር የብላን![:]

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ 72 ሚልየን ዝወደኣ 7 ኣምቡላንስ ንወረዳ ሂቡ፦

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to top